Professional Documents
Culture Documents
ኣቓውማን ሽግራትን ዋላ እኳ ብዛዕባ ድሕሪ ምቋም ሓሙሸይቲ ክፍሊ ዝተራኣየ ምዕባለታት እንተ
ጠቐስና ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ምቋም ሓሙሸይቲ ክፍሊ ግን ኣይተዛረብናን። እዚ ድማ ኣብ ውድቀት
ሓሙሸይቲ ክፍሊ ክንዛረብ ኮሎና ነቲ ውድቀት ዘብጸሐ ሮቛሒታት ኣቐዲምና ክንፈልጦ ብማለት
ኢዩ።
ምቛም ሓሙሸይቲ ክፍሊ ኣብ ዓመታት1965-1966 ምስ ምዝያድ ተሰለፍቲ ደቂ ከበሳ ብፍላይ
ክርስትያን ኣብ ሰውራ ዝተኣሳሰር ኢዩ። ኣባል ላዕለዋይ ባይቶ እድሪስ ዑስማን ገላውዴዎስ ኣብ ካልኣይ
መፋርቕ 1966 ነቶም ኣብ ሓሙሸይቲ ክፍሊ ዝመደቡዎም ሓለፍቲ ኣብ ከሰላ ኣብ ዝገበሮ ኣኸባ
ምቛም ሓሙሸይቲ ክፍሊ ኣዊጁ። ኣብቲ ኣኼብ ከኣ ኣስማት ናይቶም ሓለፍቲ ረቊሑ። እንተኾነ ግን
ሓሙሸይቲ ክፍሊ ብግብሪ ስራሕ ዝጀመረት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ 1967 መራሒኣ ወልዳይ ካሕሳይ
ናይ ኩለንተን ሽዱሽተ ጋንታታት ዝነበራ ኣሃዱታት ናይ ክፍሊ ኣብ ጥሪ 1967 ኣብ “ሸበቕ” ኣኬባ
ድሕሪ ምግባሩ ኢዩ**። ምቛም ሓሙሸይቲ ክፍሊ ከም ሓሳብ ብተበግሶ ላዕለዋይ ባይቶ ጥራይ ዝመጸ
ዘይኮነስ፣ ካብ ከበሳ ዝተሰለፉ ተጋደልቲ ኣብ ሓማሴን እትነጥፍ ሓሙሸይቲ ክፍሊ ንክትቐውም
ብዘቅርብዎ ዝነበሩ ጠለብ እውን ኢዩ። እቲ ዝቐርብ ዝነበረ ሓሳብ ኣብ ሓማሴን ምትኳር ኣብ ኣሰመራ
ንጥፈታት ሰውራ ንምምዕባል ሓጋዚ ኢዩ ካብ ዝብል ዝነቐለ ኢዩ ነይሩ። እታ ኣብ ሰራየን ኣኮለጉዛይን
ተኸፉፊላ ዝነበረት ሳልሰይቲ ክፍሊ ከኣ፣ ኣብ ሓማሴን ኣድማዒ ስራሕ ክትፍጽም ዘይምካኣለት እዚ
እውን ካብቲ ደረኽቲ ሮቋሒታት ኢዩ ነይሩ። ብዘይካ’ዚ እቶም ኣብ ሳልሰይቲ ክፍሊ ዝምደቡ ዝነበሩ
ሓደስቲ ተሰለፍቲ መብዛሕትኦም ካብ ደቂ ኣሰመራን ኣብ ከባቢኣ ዝርከባ ዓዲታትን ሰለዝነበሩ
ናታቶም ምህላው ኣብቲ ቦታ ንህዝቢ ናብ መስርዕ ሰውራ ንምስሓብ ከም ዝሕግዝ ኢዮም ዝርእዩ
ነይሮም። ከም መራሒ ናይታ ሓዳስ ክፍሊ ኮይኑ ዝተመዘዘ
---------------------------------------------------------------------------
**ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ’ዚ ዝምልከት ቀሪቡ ዘሎ ሓበሬታ ደራሲ ምስዞም ዝስዕቡ ተጋደልቲ ኣብ ዝገበሮ ምይይጥ ዝተረኸበ
ኢዩ።
ንጉሰ ሕዝባይ (ሌተናንት ኮሎኔል) መራሒ ጋንታ ኣብታ ክፍሊ
ኣብርሃ ሃብተለ መራሒ ጋንታ ኣብታ ክፍሊ ዓንደብርሃን ዓንደማርያም ካብ ጋንታ መራሒ ክፍሊ
ቀለተ ደሪዕ (ወዲ ደሪዕ) ሓደ ካብ ተጋደልቲ እታ ክፍሊ እዚ ድማ ኣብ ኣስመራ ብ12/8/2006 ተካይዱ።
ኣብዚ ክትዕ እዚ ንዝቐረበ ሓሳብ ከም መወከሲ ክንጠቕስ እንተ ድኣ ደሊና ድማ ንምሕጻሩ “ክትዕ” ኢልና ከነቕርቦ ኢና።
ኣቓውማ መሪሕነት ክፍሊ - ወልዳይ ካሕሳይ መራሒ ክፍሊ፣ ወዲ 26 ዓመት ነይሩ። ኣብ ኣውራጃ ሓማሴን ወረዳ
ዓንሰባ “ደቂሽሓይ” ኣብ ዝተበህለ ዓዲ ተወሊዱ። መባእታ ደረጃ ኣብ ከረን ቤት ትምህርቲ ቅዱስ ሚካኤል ተማሂሩ።
ማእከላይ ደረጃ ኣብ ኣሰመራ ቤ/ትምህርቲ ኪዳነ ምህረት፣ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ካምቦኒ ኣስመራ ተማሂሩ። ኣብ ቤት
ትምህርቲ ደቂሽሓይ ከም መምህር ሰሪሑ። ኣብ ሓምለ 1965 ኣብ ሰውራ ተሰሊፉ። (እዚ ሓበሬታ’ዚ ብ7/11/1967
ተሓቲማ ካብ ዝወጸት ጋዜጣ ሕብረት ዝተረኽበ ኢዩ።) - ሕሻል ዑስማን ምክትል መራሒ ክፍሊ፣ ኣብ ሰራዊት ሱዳን
ነይሩ። ኣብ ሓሙሸይቲ ክፍሊ ቅድሚ ምምጽኡ ሓደ ካብ ሓላፍቲ ኣብ ካልኣይቲ ክፍሊ ነይሩ። - ጊላይ ግርመይ
ፖለቲካዊ ኮሚሽነር ክፍሊ፣ ኣብ 1965 ተሰሊፉ - ዓብደልባቂ ተሓዝ ገንዘብ ክፍሊ እንተ መራሒቲ ጋንታታት -
ተኽላይ ጸጋይ - ገብረሂወት ገብረስላሰ (ወዲ ሕምብርቲ) - ኣብርሃ ሃብተለ- ብእምነት ሓጎስ (መራሒ ጋንታ ፋዳይን)
- በሲሪ መሓመድኖር - ዓሊ ጅምዕ - ንጉስ ሕዝባይ ብዘይካ እዚ ናይ መሪሕነት ክፍሊ ጋንታ እውን ነይሩ።
ወልዳይ ካሕሳይ እውን ሓደ ካብቶም ንምቛም ናይታ ክፍሊ ዝጠልቡ ዝነበሩ ምዃኑ ከኣ
ይፍለጥ።
ሓሙሸይቲ ክፍሊ ስራሕ ክትጅምር ከላ፣ ካብ ኣርባዕቲኣን ክፍልታት ዝተዋጽኡ ኣስታት
400 ተጋደልቲ ነይሮማ። ካብ መንጎኦም ኣስታት 80 ክርስትያን ነይሮም።
መብዛሕትኦም ከኣ ከምቲ ኣብቲ “ክትዕ” ዝተገልጸ ብዘይካ’ቶም ሓላፍቲ ኣብ ኵናት
ዘይተመኮሩ ኢዮም ነይሮም። ካልኦት ሓደስቲ ተሰለፍቲ ድማ ካብ ክፍሊ ታዕሊም
ተወሲኾምዎም። ከምቲ ኣብቲ “ክትዕ” ዝተገልጸ ድማ ነቲ ቀንዲ ዝምልከተና ጉዳይ ናይቲ
ክፍሊን ሽግራቱን ብከምዚ ዝስዕብ ነቕርብ።
ኩነታት ህዝቢ ኣብቲ ክፍሊ፣ ህዝቢ ሓማሴን ኣብቲ እዋን’ቲ ኣቀባብላኡ ንኣሃዱታት
ሰውራ ተጸበኢ ኣይነበረን። ነዚ ድማ ክልተ ረቛሒታት ሓጊዞምዎ። ቀዳማይ፣ ህዝቢ ናይቲ
ከባቢ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ሜዳ ንጥፈታት ሰውራ ዝነበረ ምዕራባዊ ቆላታት
ምትእስሳር ሰለዝነበሮ ምዕባለታት ሰውራን ዓወታቱን ይርዳእ ነይሩ። ካልኣይ፣ ብዘይካ
ኣብ ዓዲተከሌዛንን እምባደርሆን ዕጡቓት ማሊሽ ዝነበርዎ፣ ካልእ ህዝቢ ናይ ጸላኢ
ብረት ዓጢቁ ዘይምንባሩን ኢዩ።
ምስዚ ኩሉ ግን ኣብቲ መራሕቲ ኣሃዱታት ደገፎም ንምርካብ ምስ ዓበይቲ ዓዲ ዝገብርዎ
ዝነበሩ ርክባት ካብቲ ስርዓት ኢትዮጵያ ኣዕራብን እስላምን እናበለ ዝገልጾ ዝነበረ
ፕሮፓጋንዳ ዝብገሰ ኣብ ባህርያት’ቲ ሰውራ ጥርጠረታት ነይሩዎም። ግጥማት ምስ ጸላኢ፣
ናብ ሓማሴን ንምድያብ ዝግበር ዝነበረ ምድላዋት ኣሃዱታት ሰውራ ካብ ጠመተ ሰበ
ስልጣን ኢትዮጵያ ስውር ኣይነበረን። ሰለዚ ከኣ ጸላኢ ኣሃዱታት ሰውራ ኣብ ከበሳ ምስ
ተቐልቀላ ኣብ ሓጺር ግዜ ንምጥፍኣን ውጥን ከዳሉ ዕድል ነይርዎ። ህዝቢ ናይቲ ከባቢ
ኣብ ምምካት ሓይልታት ሰውራ ዓቢ ተራ ክጻወት ዓቕሚ ሰለዘይነበሮ ከኣ፣ ኣብ ምምካት
ኣሃዱታት ሰውራ ኣብ ሓይልታት ኮማንድስን ጦርሰራዊትን ማሊሻታቱን ተመርኮሰ።
እተን ኣሃዱታት ኣብቲ ቦታ ዝጸንሓሉ ግዜ ካብ ሓደ ወርሒ ዝሓልፎ’ኳ እንተዘይኮነ፣
ካብቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝተቀልቀላሉ እዋን ጀሚሩ፣ ምስ ጦርሰራዊትን ኮማንድስን
በታ ፍሉጥ ጸላኢ ሰውራ ዝነበረ ሸቃ ጊለ ዝምራሕ ማሊሽ እምባደርሆን ኣብ “ሸማንጉስ
ታሕታይ” “ጒላ-ሓፈራ” “ደቂ ዓንዱ” “ደቂሽሓይን” “እምባደርሆ ታሕታይን” ኣብ
ተኸታታሊ ኵናት ኣተዋ። እተን ቀዳመይቲ ምስ ጦርሰራዊት ካልኣይቲ ከኣ ምስ ኮማንድስ
ዝተኻየዳ ኵናት “ጒላ-ሓፈራን” “ሽማንጉስን” ብፍላይ ነፍሲ ወከፈን ምሉእ መዓልቲ
ዝቐጸለት ብርቱዓት ኢየን ነይረን።
ኣሃዱታት ሰውራ ኣብቲ ቦታ ክትከላ ሰለዘይከኣላ ድማ ኣብ ወርሒ ግንቦት ናብ ሰሜናዊ
ባሕሪ ከዝልቃ ተገዲደን። ናይ ዘይምውህሃድን ምትሕግጋዝን ሽግራት፣ እቲ ንሳልሰይቲ
ክፍሊ ካብ ኩሉ ንላዕሊ ብዙሕ ዘሳቐየ ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ክፍልታት ዝነበረ ናይ
ዘይምውህሃድ ኩነታት፣ እታ ሓዳስ ዝቆመት ሓሙሸይቲ ክፍሊ እውን ኣይተገላገለቱሉን።
ካብተን ኣብ ከባቢኣ ዝነበራ ከም ራብዓይቲን ቀዳመይቲን ክፍልታት ዝኾነ ክጥቀስ ዝከኣል
ምትሕግጋዝ ኣይረኸበትን። ሰለዚ ከኣ ናብኣታተን ከተዝልቅ ተገዲዳ። ይኹን’ምበር
መራሒ ካልኣይቲ ክፍሊ ካብ ካልኦት ንላዕሊ ኩነታት ናይታ ክፍሊ ይርዳእ ከምዝነበረን
ኵናት ምስ በርትዐ እውን ገለ ኣሃዱታት ንሓገዝ ከም ዝለኣኸን፣ ብዘይካ’ዚ እውን ብስሩዕ
ፋይናንሳዊ ሓገዝ ይገብረላ ምንባሩን ኣብቲ “ክትዕ” ተጠቒሱ። ብሰንኪ ምውህሃድ
ዘይምንባሩ ከኣ እታ ክፍሊ ንበይና እሞ ከኣ ኣብ ውሽጢ ጽንኩር ኩነታት ንጸላኢ ኣብ
ውሻጠኡ ገጢማቶ።
ኣብ ከሰላ ዝነበረ ሰውራዊ መሪሕነት እውን እንተኾነ ንጽንዓት ናይታ ክፍሊ ንምሕጋዝ
ብዘይካ ሳሕቲ ፋይናንሳዊ ሓገዝ፣ እዚ’ውን እንተኽኢሉ፣ ምሃብ ካልእ ክገብሮ ዝኽእል
ነገር ኣይነበረን። እንተ’ቲ ሓሙሸይቲ ክፍሊ ትደልዩ ዝነበረት ወተሃደራዊ ምውህሃድ ምስ
ካልኦት ክፍልታትን ኣብ ናይ ሓባር እስትራተጂ ዝተመርኮሰ ምትሕግጋዝን ግን ካብ
ዓቕሙ ንላዕሊ ኢዩ ነይሩ። እቲ ምኽንያት ከኣ ካብ ሜዳ ፍጻሜታት ሰለዝረሓቐ ጥራይ
ዘይኮነ፣ ከምቲ ዝተዓዘብናዮ ነቶም ቀስብቀስ ክርሕቅዎ ዝጀመሩ መራሕቲ ክፍልታት
ክቆጻጸሮም ሰለዘይክእል እውን ኢዩ። ብሰንኪ’ዚ ሓሙሸይቲ ክፍሊ ንበይና ዝገጠመቶ
ጽንኩር ኩነታት፣ ሓለፍቲ ናይታ ክፍሊ ኣብ መፋርቕ ናይቲ ዓመት’ቲ ዘጋጠሞም ተነጽሎ
ክስምዖም ጀመረ፣ ተጋደልቲ እውን ብዝተፈላለየ ኣገባባት፣ ሓደ ካብኡ ዕድል ክረኽቡ
ከለው ነታ ክፍሊ ብምግዳፍ፣ ተቓውምኦም ይገልጹ ነይሮም።
መሰረታዊ ሓበሬታታት
ነቲ ኣብቲ ጽንኩር ኩነታት ንሓሙሽይቲ ክፍሊ ዘጋጠመ ፍጻመ ብቅኑዕ መገዲ ወይ ኣገባብ
ከተቅርቦ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ዕማም ኢዩ። ነቲ ጉዳይ ኣሸጋሪ ዝገብሮ ከኣ፣ ክልተ ሮቛሒታት
ኣሎ። ቀዳማይ እቲ ዘጋጠመ ፍጻመታት ንባዕሉ ዓቢ ፍጻመመታት ኢዩ። ንሓርነት ሃገሮም
ክቃለሱ ዝወጹ ዓሰርትርተታት ተጋደልቲ ብናጻ ድሌቶም ንጸላኢ ኢዶም ክህቡ ከለው፣
ከምኡውን ካልኦት ዓሰርተታት ክቅተሉ ከለው፣ ውዱእ ፍርዲ ክትህበሉ እትኸእል ቀሊል
ጉዳይ ኣይኮነን። ብዘይካ’ዚ ድማ ነቲ ፍጻመ ዝፈትሓ ሰነዳት ከይሓዝካ ካብ እንተታት ናጻ
ክኸውን ዘይክእል ካብ ዝስማዕካዮ ሓበሬታ ጥራይ ተበጊስካ ፍርዲ ክትህብ ኣሽጋሪ ኢዩ።
ይኹን’ምበር ግዜ ይንዋሕ ይሕጸር ብዘይገድስ ነዚ ፍጻመታት’ዚ ከቃልዕ ዝኽእል ገለ
ሰነዳት ምስ ውልቀ ሰባት ክህሉ ከም ዝኽእል ኣይንጠራጠርን። ሰለዚ ከኣ ዕማምና ኣብዚ
ፍጻመታት’ዚ ውዱእን ናይ መጨረሽታ ፍርዲን ምሃብ ዘይኮነስ፣ ብዝተኻእለ መጠን
ክንረኸቦ ዝኸኣልና ሓበሬታታት ኣብ ምቕራብን ክእረምን ከመሓየሽን ዝኽእል ሓፈሻዊ
ግምታት ኣብ ምሃብን ዝተሓጽረ ኢዩ።
ብናይ ግዜ መቃን ክንጅምር፣ ነቲ ዘቅራብናዩ ፍጻሜታት ዕለታቱ ምርግጋጽ ማለት ኢዩ።
ነቲ ፍጻመታትን ጠንቂታቱን ንምርዳእ ዕለት ኣገዳስነት ኣለዎ።
• እቶም ኣብ ቆንስል ኢትዮጵያ ኣብ ከሰላ (ነሓሰ 1967) ኢዶም ዝሃቡ 19
ተጋደልቲ ዝሰለመሉ ዕለት ብዝምልከት፣ ካብታ ብ29-8-1967 ተሓቲማ ዝወጸት
ገለ ካብኣታቶም እውን ኣሰመራ ምስ ኣተው ምስኣ ቃለ መጠይቅ ዝገበሩ ጋዜጣ
“ሕብረት”ን እቲ ጸኒሕና እንርእዮ ጸብጻብ ሰውራዊ መሪሕነት ናብ ላዕለዋይ
ባይቶን ኢና ረኺብናዮ።
• ምስላም መራሒ ክፍሊ ኣብ ጥቅምቲ ምዃኑ እውን ካብ ናይ ዕለት 7-11-1967
ሕታም ጋዜጣ ሕብረት ዝረኸብናዮ ኢዩ።
• ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ሓሙሽይቲ ክፍሊ ዝተፈጸመ ቅትለት (መስከረም) ዝብል
ዕለት ድማ ካብቲ መራሒ ክፍሊ ኣብ ኣስመራ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺን ጋዜጣ
ሕብረት ኣብ ናይ 7-11-1967 ሕታማ ዘሰፈረቶን ዘውጸእናዮ ኢዩ። እዚ ብዛዕባ
ዕለታት ቀሪቡ ዘሎ ሓበሬታታት ከኣ፣ ነዚ ዝሰዕብ ክሕብረና ይኽእል።
• ምስላም ጉጅለ ከሰላ፣ ቅድሚ ምስላም መራሒ ክፍሊ ብክልተ ወርሒ፣ ቅድሚ’ቲ
ኣብ ሜዳ ኣብ ልዕሊ ተጋደልቲ ዝተፈጸመ ቅትለታት ድማ ብሓደ ወርሒ ኢዩ
ተፈጺሙ።
• መራሒ ክፍሊ ቅድሚ ናብ ጸላኢ ኢዱ ምሃቡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ሜዳ ዝተገብረ ናይ
ቅትለት ፍጻሜታት ድሮ ፈሊጥዎ ነይሩ። ምኽንያቱ ኣብቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ
ጋዜጣዊ መግለጺኡ ብዛዕባ’ቲ ፍጻመ ብዝርዝር ኣቕሪቡ ኢዩ። ንሱ “25
ክርስትያን፣ 7 ጀበርቲ፣ 6 ዓሳውርታ” ከም ዝተቐትሉ ሓቢሩ። ቅድሚ’ዚ ጉጅለ
ከሰላ ናብ ጸላኢ ኢደም ከምዝሃቡ ክፈልጥ ከኣ ግድን ኢዩ። ከምኡውን መራሒ
ሓሙሸይቲ ክፍሊ ኣብ መጨረሽታ ወርሒ ሓምለ ወይ ከኣ ኣብ መጀመርታ ወርሒ
ነሓሰ ናብ ከሰላ ከም ዝኣተወ ኣረጋጊጽና። ምኽንያቱ ገለ ካብ ጉጅለ ከሰላ ድሕሪኡ
ናብ ሱዳን ዝኣተው ነይሮም ኢዩም።
**ጸጋይ ገብረመድህን ኣብ ሰራዊት ሱዳን ሰሪሑ። ክሳብ ናይ ምክትል ተለንተ መዓርግ በጺሑ። ኣብ 1965 ኣብ
ሰውራ ተሰሊፉ። ኣብ ሜዳ ብምእታው ከኣ ንሓደ ዙር ናይ ተጋደልቲ ታዕሊም ኣሰልጢኑ። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ድማ
ናብ ሱዳን ተመሊሱ። ኣብ ካርቱም ከኣ ግንቦት 1967 ንኢምባሲ ኢትዮጵያ ኢዱ ሂቡ። ኣብ ኣሰመራ ዓቢ ኣቐባብላ
ተገይርሉ። ምስኡ ከኣ ጋዜጣዊ ርክባት ተፈጺሙ።
ካልኣይ ፍጻመ ኣብታ ንከሰላ እናኸደ ከሎ ዘላገሰላ ኣዝማዱ ዝርከብዋ ዓዲ “ዋስደንባ”
ዝተፈጸመ ኢዩ። ኣብ ዋሰደንባ ደቂ ከባቢኡ ዝኾኑ ሓረስቶት ኣብ ጋሽ ቅድሚ ገለ
መዓልታት ከምዝተቐትሉ ተሓበረ። ኣብቲ ግዜ’ቲ ምስኡ ዝነበሩ ቀለተ ደሪዕን ዓንደብርሃን
ዓንደማርያምን፣ ወልዳይ ንነዊሕ ስዓታት ምስ ዓበይቲ ዓዲ ዝርርብ ከምዝገበረ፣ ንሳቶም
በቲ ኩናታት ተጠራጢሮም ዘይተጸበይዎ ሓደጋ ከይወድቆም ሰለዝፈርሑ ከኣ ካብቲ ዓዲ
ወጺኦም ከምዝተጸበይዎ ገሊጾም። ወልዳይ ምስ ተመልሶም ካብቲ ዝስመዖ ኣመና ሓሪቑ
ከምዝነበረን ካብ ግዜ ናብ ግዜ ሕርቃኑ ይገልጽ ምንባሩን ሓቢሮም።
• *ኣብቲ ማዓልታት እቲ ኣብ ቀርበል ጋሽ (ምዕራባዊ ከባቢ ከሰላ) ኣብ ናይ ነዳዲ ገንእታት ቦምባታት ተተኪሱ
ነይሩ። ድሕር እቶም ገበነኛታት ኢትዮጵያ ዝለኣኸቶም ምዃኖም ተረጋጊጹ፣ ሰውራዊ መሪሕነት ነቶም ፈጸምቲ
ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን ሒዙ ንሰበ ስልጣን ሱዳን ምስ ኣረከቦምን ንሶም ባዕሎም ምስ ታኣመኑን ኢዩ እቲ
ሓቂ ዝተፈለጠ። መራሒኦም ብ1966 ካብ ሰውራ ንኢትዮጵያ ኢዱ ሂቡ ዝነበረ ዑመር ኣቡራሴን ዝተባህለ
ኢዩ ነይሩ።
• ብዛዕባ ኩነታት ኣባላት ሰውራዊ መሪሕነት ኣመልኪቱ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ይብል፣
“ኣብዚ ግዜ’ዚ ዘለው ኣባላት መሪሕነት፣ 1. ሙሓመድ እስማዒል ዓብዱ 2. ኣዚን
ያሲን 3. ዑመር ሓጅ እድሪስ 4. ወልዳይ ግደ ኢዮም። እዚኣቶም ኩሎም ስራሕ
የካይዱ የለውን። ኣባላት መሪሕነት ኣሕመድ ሙሓመድ ዓሊ (ሓላፊ ጸጥታ)
ማሕሙድ ሙሓመድ ሳልሕ (ሓላፊ ስርዒታዊ ጉዳይ) ናብ ገደርፍ ተሰጒጎም።
ሙሓመድ ስዓድ (ኣቦ መንበር ሰውራዊ መሪሕነት) ካልኦትን ከኣ ገና ኣብ
ቤተማእሰርቲ ኣለው።”
• ብዛዕባ ጠንቂ ምስላም ጉጅለ 19 ናብ ቆንስል ኢትዮጵያን ምግዓዞምን ኣመልኪቱ
ከኣ እቲ ጸብጻብ ከምዚ ዝስዕብ ይብል፣ “ሰውራዊ መሪሕነት ሰበ ስልጣን ሱዳን
ተጋደልቲ ናብ ጸላኢ ከይስልምዎም ሰለዝፈረሐ ኩሎም ተጋደልቲ ናብ ወተሃደራዊ
ክፍልታቶም ከኸዱ ወሲኑ … ገለ ቅድሚ’ቲ ናይ ፍተሻ ስጉምቲ ብቁሩብ
መዓልታት ናብ ከሰላ ዝመጹ ተጋደልቲ ገና ሕሙማት ኣሎና ኣይተፈወሰናን
ብዝብል ምኽንያታት ከምዘይክእሉ ገሊጾም። እቲ ናይ ምእሳር ስጉምቲ ምስ
ኣጋጠመን መብዛሕትኦም ምስ ትኣሰሩን ከኣ ሰውራዊ ሰራሕ ከምዘብቀዐ፣ ኣብ
ቅድሚኦም ብዘይካ ናብ ሰበ ስልጣን ኢትዮጵያ ኢድካ ምሃብ ካልእ ምርጫ
ከምዘየለ ገይሮም ወሲዶምዎ … ብርግጽ እዞም ሰባት እዚኣቶም ንሰበ ስልጣን
ኢትዮጵያ ንኽረክብዎም ድማ ንሰበ ስልጣን ሱዳን ሓቲቶም። እቲ ናይ ሽበራ
ኩነታትን ሓለፍቲ ድብ ምእሳሮምን ኩሉ ኣብ ከሰላ ዝነበረ ንብረት ተ.ሓ.ኤ.
ምህጋሩን ንምራላዊ መንፈሶም ዘዕረበን ውድቐት ዝሰዓበሎም ኣገዳሲ ረቛሒ ኢዩ
ነይሩ።”
• ብዛዕባ ኩነታቶም ብዝምልከት ከኣ እቶም ሰበ ስልጣን ኣብ “ኣዲባራ” ንዝርከብ
ሰራዊት ኢትዮጵያ ብ24-8-1967 ከምዝረከብዎም እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ። ቅድሚ
ኣብ ጸብጻብ ሰውራዊ መሪሕነትን ኣብቲ እዋን’ቲ ዘጋጠመ ጉዳይ ምስላምን
ምዝራብና ግን፣ ርእይቶ ጉጅለ 19 ምፍላጥ ኣገዳሲ ኢዩ። ምኽንያቱ እዚ ፍጻመ’ዚ
ነቲ ካብኡ ድሕሪ ወርሒ ኣብ ሓሙሸይቲ ክፍሊ ዘጋጠመ ንምፍላጥ ቀንዲ
መፍትሕ ሰለዝኾነ። እቶም ኣብቲ “ክትዕ” ዝተሳተፉ ሰለስተ ሰባት ማለት፣ ንጉስ
ሕዝባይ፣ ኣብርሃ ሃብተለን ዓንደማርያምን ኣብቲ ፍጻመ ዘጋጠመሉ እዋን፣
ብግድምና ይኹን ብደረጃ ሓላፍነት ካብቶም ቀንዲ ጉጅለ 19 ኢዮም። ብዛዕባ
ጠንቂ ምስላም ከ እንታይ ይብሉ? ንኣንባቢ ንምዝኽኻር ከኣ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ’ዚ
ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ ኣብ ክልተ ነጥቢታት ጸሚቚና ከነቕርቦ ኢና።
o ሰለስቲኦም ወልዳይ ካብ ኣሰመራ ምስ ዝመጹ “ዓበይቲ ዓዲ” ክልተ ግዜ
ቀዳማይ ኣብ “ድርፎ” ካልኣይ ድማ ኣብ “ፍልፍል” ከም ዝተራኸበ
ይስማምዑ ጥራይ ዘይኮነስ ወልዳይ ናይ ምስላም ሓሳባቱ ካብቲ ምስ ናይ
ምሕረት ኮሚተ (ኣብቲ “ክትዕ” ዓበይቲ ዓዲ ዝተባህሉ) ዝተራኸበሉ እዋን
ከም ዝጅምር ከኣ ሓያል ጥርጣረ ኣለዎም።
o ክልተ መራሕቲ ጋንታታት ንጉስ ሕዝባይን ኣብርሃ ሃብተለን ኣብቲ
ሓሙሸይቲ ክፍሊ ትሓልፎ ዝነበረት ጽንኩር ኩነታት መራሒ ክፍሊ ንከሰላ
ክኸይድ ንዘቕረቦ ሓሳባት ነጺጎምዎ። ንሱ ኣብ ርእይቶኡ ምስ ጸንዐ ድማ
ንሳቶም እውን ንከሰላ ንኽኸዱ ከፍቅደሎም ሓቲቶምዎ። ንሱ ድማ ድሕረ
ምውልዋል ንጠለቦም ተቐቢሉዎ። ደድሕሪኡ ከኣ ንከሰላ ከይዶም። ነዚ
እንደገና ዝደገምናሉ ምኽንያት ከኣ ብዛዕባ ጠንቂን ድርኺትን ምስላም
ጉጅለ 19ን ምትእስሳር ጉዳዮም ምስ ጉዳይ መራሒ ክፍልን ንኣበሃህላ
ሰውራዊ መሪሕነትን እቶም ዝረኸብናዮም ሰለስተ ሰባት ዝሃብዎ መረዳእታ
ንምንጻፍ ኢዩ። ብዛዕባ ዝምድና ጉዳዮም ምስ ጉዳይ ወልዳይን
መልሲታቶም ንመግለጺ ሰውራዊ መሪሕነትን ምኽንያት መሰለሚኦምን
ኣመልኪቱም ከኣ እዚ ዝስዕብ ይብሉ።
ክልቲኦም ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ (ምናልባት እውን ኩሎም ኣባላት ባይቶ) እቲ ዘጋጠመ
ፍጻሜታት ሓያል ነውጺ ስለዝፈጠረሎም፣ ኩሉ’ቲ ዘጋጠመ ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ ውድብ
ዝሰፈነ ጉጉይ ፖሊሲ ምዃኑ ክእመኑ ተገዲዶም ኢዮም። ንኣገዳስነቱ ከኣ፣ ቃላቶም
ክንደግም ኢና። “ክሳብ ሕጂ ክንከተሎ ዝጸናሕና ፖሊሲ (ሓቂ ንዛረብ እንተድኣ ኮይኑ)
ንክርስትያን ናይ ጥርጣረን ጥንቃቐን ባህርያት ብዝመልኦ መንፈስ ናይ ይምሰል ተሳትፎ
ምሃብ ኢዩ።” ንክርስትያን ብናይ ይምሰል መልክዕ ዘሳትፍ ወግዓዊ ፖሊሲ ተ.ሓ.ኤ.
ኣይንፈልጥን ኢና። ከምዚ ዓይነት እውጅ ፖሊሲ እንተ ዝህሉ ነይሩ ከኣ፣ እቲ ጉዳይ ኣብቲ
በጺሑዎ ዘሎ ደረጃ ከይበጽሐ ከሎ ፍታሕ ምረኸበ ነይሩ። እቲ ሽግር ግን ከምዚ ዓይነት
ፖለቲካ ኣብ ኣእምሮ ሰባት ዝተቓርጸን ኣብ ኣካይዳ ናይቲ መሪሕነታት ዘንጸባርቕን
ብምዃኑ ኢዩ። እቲ ደብዳበ፣ “ጥርጣረታት ድማ፣ ዝኽፈል ዋጋን ንጥርጣረን ጥንቃቐን
ዝደፍኣና ኣሉታዊ ረቛሒታትን ብዘየገድስ፣ እምነት ብዝፈጥር ስጉምትታት እምበር
ብጥርጣረታት ኣይእለን ኢዩ።” ብምባል ነቲ ዘይምትእምማን የረጋግጾ ኢዩ፣ ጥራይ
ዘይኮነስ ኣብ ክርስትያን ዘይምትእምማን ዝፈጥርን ጥንቃቀታት ክግበረሎም ዘለዎ ታሪኻዊ
ምክንያታት ከምዘሎን ይኣምን ኢዩ።
ብሓፈሻኡ እቲ ሰነ-ሓሳባዊ ኣጣማምታ ናይቲ ደብዳበ ነቲ ሽግር ኣወንታዊ ኢዩ። እንተኾነ
ግን ግዜ ድሕሪ ምሕላፉ ኢዩ መጺኡ። እቲ ፖለቲካዊ ፕሮግራም እንተዝስርሓሉ ነይሩ፣
ነቲ ደብዳበ ዘልዓሎ ጉጉይ ኣተሓሳስባታት ክፈትሐ ምኽኣለ ነይሩ። እንተኾነ ግን
ፖለቲካዊ ድሌት ብዘይምንባሩ፣ እቲ ክውንነት ኣብ ቅድሚ’ቲ ላዕለዎይ ባይቶ ንባዕሉ
ቀንዲ ምንጩ ዝነበረ ጉጉይ ኣተሓሳስባታት ቅሉዕ ክኸውን ተገዲፉ።
ግብራዊ ስጉምቲታት፣ እታ ደብዳበ ነቲ ሽግር መፍትሒ ዝበሎ ብርክት ዝበለ ናይ
ግብራዊ ስጉምቲታት ሓሳባት ኣቅሪቡ። ንሱ ከኣ፣ ምስ ፖለቲካዊ ረብሓታት ዝጻረር ዝኾነ
ወተሃደራዊ ስጉምቲ ከይትግበር ምኽልካል፣ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ምኽንያታት ጃምላዊ
መቅጻዕቲ ንኸይፍጽሙ ንመራሕቲ ሰውራ ዘጠንቅቕ ዘዋሪ መልእኽቲ ከመሓላለፍ፣
ክርስትያን ኣብ መሪሕነታዊ ቦታታት ንኸሳተፉ ዕድል ምሃብ፣ ኣብ መጨረሽታ ከኣ ኣብ
ናይ ወጻኢ ስልጠናታት ብማዕረ ከም ዝሳተፉ ምግባር ዝብል ነይሩ።
ኣብዚ መዳይ’ዚ ዝተፈጸመን ውጽኢቱን ምምይያጥ ዘገድሰና ኣይኮነን። እቲ ንዓና ዘገድሰ
ብዛዕባ እቲ ኣብ ሜዳ ዝተፈጸመ ነገራት ዝተወሰደ ስጉምትታት ኢዩ። እቲ ደብዳበ፣ ኣብ
ሽግር ሓሙሸይቲን ሳልሰይትን ክፍልታት ንጹህን ፍታሓውን ምርመራታት ክከየድ፣
ብክርስትያናዊ ተጋደላይ እትምራሕ መርማሪት ኮሚተ ክትቓውም፣ ነቲ ናይ ቅትለት
ፍጻመ ጠንቂ ዝኾኑ ሰባት ደረጃ ሓላፍነቶም ብዘየገድስ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ሓሳብ ኣቕረባ።
ኣብ ጉዳይ ምርመራ ምንጻር ዝድልዩ ዘይብርህ ነገር ኣሎ። ኣብ ዝሓለፈ ገጻት ጽሑፍና ከም
ዘብራህናዩ ክልቲኦም ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ፣ እታ ምስ ላዕለዋይ ባይቶ ዝተሰማምዑላ
መርማሪት ኮሚተ ከም ዝቖመትን መርመራታት ከም ዘካየደትን እተብርህን ቁጽሪ
ምውታት ብዝምልከት ኣፈናዊ ሓበሬታታት እትህብን ብ11-111967 ዝተጻሕፈት
ደብዳበ ሰውራዊ መሪሕነት ተረኪቦም ኢዮም። ክልቲኦም ኣባላት ላዕለዋይ ባይቶ ከኣ ኣብ
መእተዊ ደብዳበኦም ነቲ ደብዳበን ብድሕሪኣ ዝተጻሓፈ ክልተ ደብዳቤታትን ከም
ዝተረከቡ ሓቢሮም።
ሰውራዊ መሪሕነት ምሉእ ጸብጻብ ክልእኽ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ። እሞ ከ ኣባላት
ላዕለዋይ ባይቶ እዚ ኩሉ እናፈለጡ ከመይ ኢሎም ኢዮም ሕጂ ምቛም ኮሚተ ዝሓቱ
ዘለዎ። ብዘይካ’ዚ ከኣ መሪሕነት ንላዕለዋይ ባይቶ ንኽገልጽሉ ሰለስተ ካብ ኣባላት
መርማሪት ኮሚተ ልኢኹ ነይሩ። ዝሓዝናዩ መልሲ ሰለዘየለ ግን ነቲ ጉዳይ ነዚ ሕቶ እዚ
ብምልዓል ጥራይ ክንሰግሮ ኢና። ሕጂ እምባኣር፣ ድሕሪ ምርመራ እንታይ ተፈጺሙ?
ኣብዚ ጉዳይ’ዚ ንኽሱሳት ገበነኛታት ዝገበር ይኹን ወይ ናጻ ዘውጽኣ ዝተወሰደ ዝፍለጥ
ስጉምቲ የለን። እቲ ጉዳይ ኣብ ፍርቂ መገዲ ተገዲፉ ምስ ካልእ ዓበይቲ ጉዳያት ውድብ
ሓደ ካብቲ መዓልቱ ዝጽበ ዘሎ ዝተንጠልጠለ ኣርእስቲ ኮይኑ ተሪፉ። ብሰንኪ’ዚ
ዘይምግዳስ’ዚ ከኣ፣ እዚ ዓቢ ፍጻመታት’ዚ ክሳብ ሎሚ ኣብ ነንሕድሕዱ ብዝገራጮ ኣብ
ናይ ኣፍ ዘረባታት ዝምርኮስ ኮይኑ ኣሎ። እንተ ላዕለዋይ ባይቶን ሰውራዊ መሪሕነትን ነቲ
ጉዳይ ብዕቱብ ንምፍታሕ ንፈጸምቱ ብምቕጻዕ ይኹን ናጻ ብምውጻእ ስጉምቲ
ብዘይምውሳደም ሳዕቤን ናይቲ ፍጻመታት ኣብ ምሰካም መሸርኽቲ ኮይኖም ኣለው።